Menu
Suche
Weiter Schreiben ist ein Projekt
von WIR MACHEN DAS

> Einfache Sprache
Logo Weiter Schreiben
Menu
Weiter Schreiben Mondial - Briefe > Sabina Brilo & Yirgalem Fisseha Mebrahtu > Mein Name bedeutet übrigens „Die Welt soll sich besänftigen“ - Brief 2

ስመይ፡ “ዓለም ትርጋእ” ዝብል ትርጉም’ዩ ዘለዋ።

A coffee ceremony in Eritrea © t.ohashi/Flickr CC BY 2.0

24 ነሓሰ 2022

 

ዝኸበርኪ ሳቢና

ከመይ ትኾኒ፧

ኣቐዲምካ ናብ ዘይትፈልጦ ሰብ፡ ዝጽሓፍ ደብዳቤ ምጅማር ከም ዝኸብድ ብዝሕብር ሓሳብኪ ዝጀመረት ደብዳቤኺ ትማሊ ተቐቢለያ። ሓደ ነገር ኣዘኪርክኒ። ኣብ ሃገረይ፡ ተጨውዮም ንልዕሊ 20 ዓመታት ተሰዊሮም ዘለዉ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣለዉ። እቶም ኣብ ዓለም፡ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ዝበዝሐ ዓመታት ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ድማ’ዮም። እዛ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ንኣትዋ መስከረም ከኣ 21 ዓመታት ማእሰርቶም ክመልኡ’ዮም። ንገሊኦም ብኣካል እፈልጦም’የ። ኣብ ዉዕዉዕ ዕድመ ንእሰነትን ህንጡይ ፍቕሪ ስነጽሑፍን ከለኹ፡ ኣብተን ንሳቶም ዝውንንወን ዝነበሩ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ ጽሑፋተይ ከም ዝሕተም ብምግባር ኣብ ዓውዲ ጽሕፈት ዘታተዩኒ’ውን እዮም። ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመታት ናብ ብዙሓት ካብኣቶም ደብዳቤታት ጽሒፈ። ከም ዘይበጽሖም ርግጸኛ ኮይነ’የ ዝጽሕፎ። ደብዳቤ ክኣትዎም ስለ ዘይፍቀድ ጥራይ ኣይኮንኩን፡ ከም ዘይበጽሖም ብርግጸኘነት ዝነግረኪ ዘለኹ። ብልክዕ ኣበይ ከም ዘለዉ፡ ብህይወትከ ኣለዉዶ የለዉን ስለ ዘይፍለጥ’ዩ። እምብኣር፡ እቲ ብዛዕብኦም ዝስመዓኒ ናብ ጽሑፍ ንምቕያሩ ጥራይ’የ፡ ደብዳቤታት ዝጽሕፈሎም። ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ትግርኛ ምስ ዘንብቡ ተኸታተልተይ ይካፈሎ። ብኡ ኣቢለ ተረሲዖም ምእንቲ ከይተርፉ ንእሽቶይ ኣበርክቶ ከም ዝሓወስኩ ይስመዓኒ።

ደብዳቤኺ ምንባብ ምስ ጀመርኩ’ምበኣር፡ ንዕኦም’የ ዘኪረ። እቲ ደብዳቤ ክጽሕፈሎም ምስ ነቐልኩ ዝጸዓነኒ ጓሂ፡ ብኸመይ ምጅማር ከም ዝሕሸኒ ዘጋጥመኒ ብድሆ… ኵሉ ተራእዩኒ። “ናብ ዘይትፈልጦ ሰብ ምጽሓፍዶ ወይስ ደብዳቤኻ ናብ ኢድ ተቐባሊ ከም ዘይበጽሕ እናፈለጥካ ምጽሓፍ ይኸብድ፧” ዝብል ሓሳብ ድማ መጺኡኒ።

ናብ እሱራት ደብዳቤ ናይ ምጽሓፍ ተበግሶ ደቂ ሃገርኪ ዝፈጠረለይ ተምሳጥ ክጠቅስ ባህ ይብለኒ። ተስፋ እናኣስነቐ፡ ብርታዔ እናሃበ ኣብ መዓልታዊ ህይወት እቶም እሱራት መለሳ ይፈጥር ክህሉ ድማ ተስፋ እገብር። እቲ ኣብ 2020 ኣብ ቤላሩስ ተፈጺሙ ዝበልክዮ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ምስቲ 2001 ኣብ ሃገረይ ዝተራእየ ቅሉዕ ኣዋጅ ኣንጻር ፕረስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝመሳሰል ኮይኑ ረኺበዮ። ሃገረይ ካብ መግዛእቲ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ብናይ 30 ዓመታት ጎነጻዊን ደማዊን ቃልሲ 1991 እያ ናጽነታ ወሲዳ። ድሕሪ ክልተ ዓመታት ረፈረንዱም ኣካይዳ ከኣ ወግዓዊ ተቐባልነት ረኺባ፡ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኰይና ባንዴራኣ ሰቒላ።

ገና ቁስላ ከይሕወይት ግዳ ኣብ 1998 ብምኽንያት ዶባዊ ግርጭት ኣብ ካልኣይ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ኣትያ። እቲ ኲናት ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ኣንጻር ስሳ ሚልዮን ህዝቢ’ዩ ነይሩ። ክሳብ 2000 ድማ’ዩ ቀጺሉ። ሽዑ ኣነ ተመሃሪት ካልኣይ ደረጃ ነይረ። ካብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝኾነ ቦታ ርሕቕቲ ኣብ ዘይኮነት ከተማ’የ ተወሊደን ዓብየን። ኣብ ሃገር  ምልእቲ ዝነበርና መንእሰያት ትምህርቲ ኣቋሪጽና ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክሳብ ምኻድ ድማ በጺሕና ነይርና።

2001 ገለ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ (ሚኒስተራትን ሰብ ልዑል ወተሃደራዊ መዓርግን ዝርከብዎም) ብዛዕባ እቲ ኲናትን ኣካይዳ ናይቲ መንግስትን ዝግምግም ኣኼባ ክካየድ ጠሊቦም። “መራሒ መንግስቲ” ዕጭ ሓንፊፉ። በብሓደ’ውን ካብ መዝነቶም ክሰጎም ጀሚሩ። ኣብተን ሽዑ ዝዕንብባ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ሓሳባቶም ከስፍሩ ጀሚሮም። ብድሕሪ’ዚ ነቶም ዝጠቐስኩልኪ ሓለፍቲ፡ ምስ ናቶም ዝመሳሰል ሓሳብ ከም ዘለዎም ዝተጠርጠሩ መዛንኦም፡ ከምኡ’ውን ኣሰናዳእቲ ናይተን ጋዜጣታትን ገፊጡ ኣሲርዎም። ሰዊርዎም! 21 ዓመታት ኮይኑ፡ ብህይወት ኣለዉዶ የለዉን ዝፈልጥ ሰብ የለን።

ሃገረይ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ከላ’የ ተወሊደ። ዝኾነ ይኹን ዝኽሪ መግዛእቲ ግን የብለይን። እምብኣር፡ ግፍዕታት መግዛእትን ቅያታት ተጋደልትን ብታሪኽ ኣብ ቤት ትምህርቲ’የ ዝፈልጦ። በዚ ሎሚ ሃገረይ ወዲቓቶ ዘላ ሕሰምን ህዝባ ዘሕልፎ ዘሎ ህይወትን ክሓስብ ከለኹ ግን እቲ መግዛእቲ ካብዚ ናይ ሕጂ ሃለዋት ከም ዘይከፍእ ርግጸኛ’የ። ፍጹም ርግጸኛ’የ። እዚ ክብለኪ ከለኹ ግን እቶም ኤርትራ ሃገር ንኽትከውን ህይወቶምን ንእስነቶምን ዝኸፈሉ ሰባት ጀጋኑየይ’ዮም።

ክሓተኪባ…፡ ስመይ ከየንበብኪ ንኸተድምጽያ ክንደይ ሳዕ ተለማሚድኪያ፧ ኣየሸገረትክን ክትከውን እትስፎ። ኣነ ብትኽክል ስም ኣብ ምድማጽን ምሓዝን ንፍዕቲ ኣይኮንኩን። ሓደ ካብቲ ኣብ ኤውሮጳ ምስ መጻእኩ ዘጋጠመኒ ብድሆታት ድማ’ዩ። ብዕድል ግን ስምኪ እታ ዝመቸአትኒ ናይ ወጻእተኛ ስም’ያ። ሳቢና፡ ንሓንቲ ሳባ ዝስማ ኤርትራዊት ምቅብጣር ጥራይ’ዩ ዘድልየኒ። ብልምዲ፡ ንኣስማት በቲ ናይ ምቅብጣር መልክዖም ምጥቃም ስለ ዘዘውትር ከኣ ንኹላተን እተን ዝፈልጠን ሳባ ዝስመን ኤርትራውያን፡ “ሳቢና” ልሙድ ዝጥቀመሉ ኣጸዋውዓ’ዩ። ክሳብ ክንድዚ’ያ ስምኪ ምስ እዝነይን ልሳነይን ቀረባ። ስመይ፡ “ዓለም ትርጋእ” ዝብል ትርጉም’ዩ ዘለዋ። ናትኪኸ፧

“ኤርትራ” ንእትብል ቃል ብምስትምቓርን ብዛዕባ ሃገረይ ብምንባብን ዝፈጠርክዮ ስእለ-ኣእምሮ ደስ ኢሉኒ። እቲ ክውንነት ኣንጻር እቲ ኣብ ሓሳብኪ ዝተፈጥረ ስእሊ ምዃኑ ግን ጉህይቲ’የ። ኣብ ኤርትራ፡ ንዝሓለፉ 28 ዓመታት፡ መወዳእታኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርና ስለ ዘሎ፡ ኵሉ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ቀሲኑ ብሰላም ክነብር ኣይክኣልን’ዩ። ስለዚ ዘዝጎበዘ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይሃድም። ኣብ ውሑሳት ሃገራት ቅድሚ ምብጻሖም ኣብ ዘሎ ሓደገኛን ዘይሕጋውን ጉዕዞ፡ ህይወቶም ዝኸፍሉ ከኣ ኣእላፍ’ዮም።

ንኣብነት ኣነ 2 ኣሓትን 4 ኣሕዋትን ኣለዉኒ። ሸውዓቴና ወተሃደራዊ ታዕሊም ወሲድና ኢና። ገሌና ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ብነጻን ስማዊ ክፍሊትን ንዓመታት ኣብ ትካላት መንግስቲ ክንሰርሕ ተገዲድና። እቶም ካልኦት ነዊሕ ከይጸንሑ ካብ ሃገር ወጺኦም። ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ ብዘይካ እተን ክልተ ኣሓተይ፡ እቶም ኣርባዕተ ኣሕዋተይን ኣነን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኤውሮጳ ፋሕ ኢልና ኣለና። ካብዞም ሓሙሽተ እቶም ክልተ ጥራይ ከኣ ኢና ንሰሃራታት ልብያን ማእከላይ ባሕሪን ብነፋሪት ሓሊፍናዮ። እቶም ሰለስተ ኣሕዋተይ ካብ ውትህድርና ሃዲሞም፡ ብኣዝዩ ሓደገኛ መገዲ ሰሃራ፡ ብዘይውሑሳት መራኽብ ኣሽሓት ዶላራት እናተኸፍለሎም፡ ብማእከላይ ባሕሪ ምስ ሞት ተጋጢሞም’ዮም ሓሊፎም።

እዚ፡ ኣብ ኤርትራ ልሙድ ቁጽሪ ዝተሰደዱ ኣባላት ሓንቲ ስድራን ናይ ዝበዝሑ መንእሰያት ዛንታ ስደትን’ዩ። ብኸምዚ መንገዲ ምልእቲ ስድራ ዝተሰደዱ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ምልእቲ ስድራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክትረኽቢ ግን ብርቂ’ዩ። ኣብ ናይ ኤርትራውያን መራኸቢ ብዙሓን፡ እትኾልል ናይ ሓንቲ ስድራ ስእሊ ኣላ። “እታ እንኮ ኣብ ውሽጢ ሃገር እትርከብ ምልእቲ ስድራ” ዝብል ጽሑፍ ድማ የሰንያ። እታ ስድራ፡ ናይቲ 31 ዓመት ንኤርትራ ዘዕኑ ንህዝባ ድማ ዘሳቒ ዘሎ መራሒ’ያ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ’ዩ ዝብሃል።

ብዕድል፡ Volha Hapeyeva ምስ እትብሃል ቤላሩሳዊት ገጣሚትን ጽሓፊትን እፋለጥ’የ። ዝሓለፈ ዓመት ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ፕረስ፡ ብመንገዲ“ዙም” ዝተኻየደ መደብ’ውን ክልቴና ዕዱማት ነይርና። ኣጋጣሚ፡ ኣነ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ፔን ጀርመን ዝርከብ ‘ጽሓፍቲ ኣብ ስደት’ ዝብል ጽላል ዝነበረኒ ጻንሒት ይዛዝመሉ ኣብ ዝነበርኩ ግዜ ስለ ዝተጸንበረትና፡ ናይ ሓባር ግዜ ኣይረኸብናን’ምበር ጎረባብቲ’ውን ኢና ነይርና። ስለዚ፡ ቤላሩስ ሓንቲ ካብተን ንናጽነት ፕረስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝሃስያ ውሑዳት ሃገራት ኤውሮጳ ምዃና ክግንዘብ ክኢለ ነይረ’የ። ምስ ምውላዕ ኩናት ሩስያን ዩክሬንን ድማ ምምስሳል ናይ ኤርትራን ቤላሩስን ደሚቑ ተራእዩኒ።

ነታ ትናፍቕያ ገዛኺ፡ ነቶም “ፈለስቲ” እትብልዮም ማርሞታት ሓለውቲ ገዛኺ… ክስእሎም ፈቲነ። ዝያዳ ኵሉ ግን ስምዒትኪ ክርድኦ ክኢለ’የ። ብተዘዋዋሪ መገዲ ነተን “ናብ ሃገርኪ ትምለሲዶ ይመስለኪ፧ ሃገርኪ ትጽበየኪዶ ትህሉ፧ ዝጽበዩኺ ፈተውቲ ሒዛ ዘላዶ ይመስለኪ…” ዝብሉ ሕቶታትኪ ዝምልስ ደኣ ክኸውን’ዩ’ምበር፡ ምስዚ ናትኪ ዝመሳሰል ናይ ስንፈላል ወይ ረጊኡ ዘይዓለበ ሰብ ስምዒት’ዩ ዘለኒ። ኣብዚ እዋን ‘ናብ ዓደይ ክምለስ ዝደልየኒ ወላ ሓደ ሰብ የለን’ ኢለ’የ ዝሓስብ። ድሕሪ እቲ ብህይወት ዝፈተነኒ ናይ ማእሰርቲ ኩነታት፡ ካብ ሃገር ክወጽእ ምኽእለይ ኩሎም ቤተሰበይን ፈተውተይን ሕጉሳት’ዮም። ሃገረይከ ትጽበየኒዶ ትህሉ፧ እንድዒ! “ልበይ ገዲፈ’የ ተሰዲደ” ብሃሊት’የ’ሞ፡ ልበይ ግን ብርግጽ ትጽበየኒ’ላ።

እምብኣር ናብታ “እንታይ ትናፍቒ፧” ትብል ሕቶኺ ክሓልፍ። ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት’የ ዝናፍቕ። ኵሉ ግዜ “ኣልቡም ስእልታተይ ክረኽቦም እንተ ዝኽእል” እብል። ኣብ ሎሚ ኮይነ ኣዝየ ዝናፍቖም ዝኽሪታት ዝሰነዱ’ዮም። ናብቲ እቶም ኣሳእል ዝሰነድዎ እዋን ክምለስ እደሊ’የ። ምስ ገለ ካብ’ቶም ኣብ እዋን ቁልዕነትን ንእስነትን መሓዙተይን መቓርብተይን ዝነበሩ ሰባት፡ ፍጹም ርክብ የብለይን። ብኣመለኻኽታ፡ ስምዒት… ኣብ ኣንጻር ጫፋት ተቐሚጥና ኢና። ስለዚ እቶም ኣሳእል፡ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዘሕለፈ መድረኽ ናይ ህይወተይ፡ ጥዑም ግዜ ከም ዘሕለፍኩ ከም ዝስመዓኒ ይገብሩኒ’ዮም። ካብዚ ዘለኽዎ ግዜ ሃዲመ፡ እቶም ኣሳእል ኣብ ዝሰነድዎ ግዜ ክዕቆብ ዝደልየሉ ግዜ ብዙሕ’ዩ።

ብዓቢኡ ከኣ፡ ወለደይ፡ ኣሓተይ፡ ቤተሰበይ፡ መሓዙተይ… እናፍቖም’የ። ብክልተ ምኽንያታት፡ ኣብ ባህ ዝበለኒ ግዜ ደዊለ ከም ባህ ዝበለኒ ከዕልሎም ኣይክእልን’የ። ፍርሒ ኣሎ፡ ብናጽነት ክትዛረብ ዘየኽእል ስግኣት’ውን ኣሎ። ብዛዕባ ሽግራቶምን መዓልታዊ ህይወቶምን ብግልጺ ክትሓቲ ኣይትኽእልን ኢኺ። ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ስለ ዘየለ ድማ 20 ደቒቕ ንኽዛረብ 10 ኤሮ የድልየኒ። ናብ ኩሎም ቀረብትኺ፡ መሓዙትኪ፡ ፈተውትኺ… ምድዋል ኣይክኣልን። እቲ ምድዋል ከኣ ብሓደ ሸነኽ’ዩ። ኣነ ጥራይ’የ ክድውል ዝኽእል። ካብ ኤርትራ ናብ ካልእ ሃገር ምድዋል ኣይሕሰብን’ዩ። ሓደ ሰብ ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን ደዊሉ 5 ደቓይቕ ንክዛረብ፡ ናይ ምልእቲ ስድራ፡ ናይ ሰሙን ኣስቤዛ ኸውን ዝነበሮ ገንዘብ የጥፍእ። ስለዚ ካብ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ተለፎን ምድዋል ዝኾነ ሰብ ካባና ወይ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ቤተሰብና ኣይሓስቦን’ዩ።

ንኣብነት፡ ካብ ኤርትራ እንተ ዝድወለኒ፡ ነቲ ጻውዒት ከልዕሎ ዘይምዃነይ ርዱእ’ዩ። ኣዝዩ ህጹጽ ጉዳይ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ንምርዳእ መብርሂ ኣየድልየንን። ተለፎኖም ደዊላ ምስ ወደአት ክድውል ከም ዘለኒ’ውን ለበዋ ኣየድልየንን። እዚ፡ ዝዝርዝረልኪ ዘለኹ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኵሉ ዓይነት ኣገልግሎታትን ሰብኣዊ መሰላትን ተነጺሉ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ገለ ስእሊ ክህበኪ ኢለ’የ። ብሓፈሻ ግን ናይቲ ኵሉ ዝነበረኒ ነገራት ናፍቖት ኣለኒ። ብዙሕ ኣብ ዓደይ ዘይነበረኒ ነገራት ክረክብ ክኢለ’የ። ይኹን ግን ነቲ ዝነበረኒ’ሞ ሕጂ ክረኽቦ ዘይክኣልኩ ክርስዖ ኣይክኣልኩን።

ፈታዊት ወግዒ ቡን’የ ነይረ። ኣባና ናይ ቡን ስነ ስርዓት ፍልይ ዝበለ’ዩ። እቲ መስርሕ ካብ ክገልጸልኪ፡ ከርእየኪ ስለ ዝቐልል… ሓደ መዓልቲ ከርእየኪ ወይ ክዕድመኪ ዕድል ይርከብ ይኸውን። እዚ እንተ ዘይሰሊጡ ግን ካብ ዩቱብ ቪድዮ ክሰደልኪ’የ። ከም እትፈትውዮ እተኣማመን’የ። ንሕና ነቲ ናይ ዝተቐልወ ቡን ሓሩጭን ፍሉሕ ማይን ሽኮርን ኣደባሊቕካ ዝስተ ውዑይ ጸሊም ፈሳሲ ጥራይ ኣይኮንናን ቡን እንብሎ። ኣዝዩ ባህ ዝብል ወግዒን ኣተኣናግዳን ዕላልን’ዩ ዘጠቓልል። ኣብ ዓድና፡ በይንኺ ቡን ምስታይ ካብ ባህሊ ቡን ወጻኢ’ዩ። ጋሻ መጺኡኪ “ቡን ትሰቲ ዲኻ/ኺ፧” ኢልኪ’ውን ዳርጋ ኣይሕተትን።

ኣነ፡ ፈታዊት እቲ ወግዒ ደኣ’ምበር፡ ሰታይት ቡን ኣይኮንኩን። ይኹን ግን ንኽብረይ ኢሉ ስለ ዝፈልሐ “ኣይሰትን’የ” ክብል ስለ ዘይደለኹ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ቡን ንምስታይ ተገዲደ ኣለኹ።

ካብ እንስሳታት ዘቤት እንታይ ትፈትዊ፧ ድሙ ወይ ከልቢ ነይሮምኺዶ ኢልኪ ከይትሓትኒ። እቶም ኣነ ዝፈልጦም ድሙን ከልብን፡ ክንክን ንክረኽቡ ዘይኮኑስ ኣገልግሎት ንኽህቡ’ዮም ዋና ዝህልዎም። ኣናጹ ዘየሸገረኦ ሰብ ድሙ ክትህልዎ ምኽንያት የብሉን። ከልቢ’ውን እንተኾነ ምእንቲ ውሕስነት ንብረትን ጥሪትን’ዩ ዝጥረ። ሓያልን ተፈራሕን ኸውን ድማ’ዩ ዝምልመል። ቆልዓ ከለኹ፡ ከልቢ ናብ ዘለዎም ስድራቤታት ምልኣኽ ይኣቢ ከም ዝነበርኩ እዝክር። ኣብዚ ካብ ዘገረመኒ ነገር ክነግረኪ… ከልቢ ኣብ መጓዓዝያ ተሰቒሉ ምርኣይ! ንኽለምዶ ከኣ ገለ ግዜ ወሲዱለይ።

በለስ እቲ ኣብሊጸ ዝፈትዎ ፍሩታ’ዩ። ብበለስ ጽልልቲ’የ ነይረ። ኣብ ጀርመን ምጽእ ምስ በልኩ፡ ኣብ ነርወይ ዝነብር ደሳለ በረኸት ዝብሃል ጽሓፋይ መሓዛይ ክበጽሓኒ መጺኡ። ንሱ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ከሎ፡ ኣነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝነበርኩ ድሕሪ 9 ዓመታት ኢና ዝተራኸብና። እንታይ ሒዙለይ መጺኡ ትፈልጢ፧ በለስ!

በለስ ሒዙለይ ከም ዝመጸ ምስ ርኣኹ፡ ክንድቲ ክንራኸብ ከለና ዝወጨጭክዎ ደጊመ ወጪጨ። ግምት ኣይነበረንን። ካብ ሃገረይ ካብ ዝወጽእ ሓደ ዓመት ዘይመላእኩ’ኳ እንተነበርኩ፡ በለስ ካብ ዝበልዕ ግን ዓመት ኣሕሊፈ ነይረ። ደጊመ ከም ዝበልዕ ዝገበረ፡ ካልእ ግዜ’ውን ክበልዕ ምዃነይ ዘተስፈወኒ’ምበኣር እዚ ዝተቐስኩልኪ መሓዛይ’ዩ።

“ኣብ ፍትሒ ዘይብሉ ሃገር ፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል ስልጣን ኣበይኮን ይርከብ!፧” ዝብል ሕቶኺ ብዙሕ ኣሕሲቡኒ። እንድዒ በጃኺ! እታ “ስልጣን” እትብል ቃል ወሲደ፡ ምስ ናይ ካልእ ግዜ ህውቱት ሓሳባተይ ኣቋሪነ ገለ ክብል። ስልጣን መልክዕ እንተ ዝህልዎስ ከመይ ምሰኣልክዮ፧

ናተይ ክነግረኪ። ናይ ሰብ ኣቋውማ ዘለዎ ኰይኑ፡ ናይ መልኣኽን ሰይጣንን ክልተ ገጽ ዘለዎ ገይረ ምሰኣልክዎ። ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ፡ ስልጣንን ሰይጣንን ዝመሳሰላ ቃላት’የን። ብፍላይ’ኳ ኣብ ድምጺ። ንግጥሚ ዝምችእ ምግጥጣም ከኣ’ዩ ዘለወን። ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ እቲ ከም ሓንቲ ናይ ኤርትራ ዜጋ ብሰበስልጣን ዝወረደንን ክወርድ ዝረኣኽዎን ኣደራዕ ሕሰብዮ። እምብኣር እቲ ዝቐረጽናዮ “ስልጣን” ዝተባህለ ምስሊ ዜግነት ንሃቦ። እቲ ስልጣን ናብ ኤርትራ ምስ ወሰድክዮ ሰይጣን’ዩ ዝኸውን። ኣብ ገለ ሃገራት መልኣኽ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ከኣ ስሱዕ ሰብ፡ ኣብ ካልኦት….

ዝኸበርኪ ሳቢና፡

እቲ ምስ ራሻ ዘለኩም ናይ ዶባዊ ጉርብትና ንናይ ሃገርኪ ፖለቲካ ከመይ ከም ዝጸልዎ ክትነግርኒ ክጽበየኪ’የ። ንዝምድና ራሻን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘላ ሃገረይ’ውን ክንትንክፎ ኢና።

ምስ ውላድክን በዓል ቤትክን ኣብ ውሑስ ቦታ ምህላውኪ ሓጎሰይ ክገልጸልኪ ደስ ይብለኒ።

 

ምስ ልዑል ኣኽብሮትን ሰናይ ምንዮትን

ይርጋኣለም

Nächster Brief:

Nur dreißig Kilometer entfernt - Brief 3

Sabina Brilo an Yirgalem Fisseha Mebrahtu: Ich habe mich sehr über Deine Antwort gefreut. Beim Lesen konnte ich die Tränen nicht zurückhalten. Es gibt viel Gemeinsames in unseren Schicksalen, doch das Wichtigste ist, dass Dein wie mein Schicksal in so direkter und grausamer Abhängigkeit zu dem Ort und der Zeit stehen, in denen wir geboren wurden und leben....... LesenText im Original

Autor*innen

Datenschutzerklärung

WordPress Cookie Hinweis von Real Cookie Banner