Menu
Suche
Weiter Schreiben ist ein Projekt
von WIR MACHEN DAS

> Einfache Sprache
Logo Weiter Schreiben
Menu

Nur dreißig Kilometer entfernt – Brief 3

Sabina Brilo an Yirgalem Fisseha Mebrahtu, Vilnius, 06. November 2022

 

 

ቪልኒዩስ 6. ሕዳር 2022

 

ሰላም ንዓኺ ይርጋኣለም።

መልስኺ ክቕበል ከለኹ ኣዝየ ተሓጒሰ። ከንብቦ ከልኽ ንብዓተይ ድማ ምቁጽጻር ስኢነ። ብዙሕ ዝመሳሰል ኣሎ ኣብ ጽሕፍቶ ክልቴና። ከምቲ ናትኪ እቲ ናተይ ዕድል እውን ብቐጠታን ብሕሱም መንገድን ምስቲ ዝተወለድኩሉ ግዜን ቦታን፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ምስቶም ካብ ክፋእ ተላዒሎም ኣብ መንግስትታትና ስልጣን ዝተዋህቦምን፡ ስልጣን ዝሓዙን ሰባት ምትእስሳር ኣለዎ። ኣብ ኣእምሮኺ ዝፈጠርኪዮ ስእሊ ናይ ስልጣን ብጣዕሚ ገላጺ’ዩ። ንስልጣን ከም ናይ ኣምላኽን ናይ ሰይጣንን ገጽ ዘለዎ ሰብ ምቕራጽኪ ምስ ኣንበብኩ፡ ጽቡቕ መግለጺ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ኣብ ኢድ ሰብ ሰናይ ወይ ሰብ እከይ ግብሪ – ስልጣን ኣብ ኢድ መን ምውዳቓ ኣመና ኣገዳሲ’ዩ። ግን ኣብዚኣ ዘመናዊት፡ ስልጥንቲ ኢልና እንገልጻ ዓለምና ከምኡ ክኸውን ኣይምትገበአን፡፡ ንሓይሊ ውልቀ መላኺ፡ ኣብ ስልጣን ዝጎበጠላ ሃገር፡ ክገትኡ ዝኽእሉ ሃገራውያን ይኹኑ ዓለም ለኻውያን፡ ሕጋውያን ፖለቲከኛውያን፡ መሳረሒታት ክህልዉ ነይሩዎም፡፡ ደቂ ካልእ ሃገር ብዙሕ እዋን ‘‘ህዝብኹም ነዚ መራሒ መሪጹዎ እዩ’ሞ ጉዳዮም ባዕሎም ክኸፍቱዎ ኣለዎም’’ ይብሉ፡፡ ዘለናዮ ጸበባ ስለ ዘይርደኦም እዮም ከምኡ ዝብሉ፡፡ ውልቀ መላኺ ኵሉ ግዜ ዝተመረጸ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ እዋን፡ ብምትላልን ብምምዝማዝ እምነት ሰብን’ዩ ናብ ስልጣን ዝመጽእ። ድሕሪኡ ንኣብያተ ፍርድን ንሓይልታት ጸጥታን ኣንበርኪኹ፡ ምሉእ ብምሉእ ነጻ ካብ መቕጻዕቲ ኮይኑ ፍጹም ስልጣን ይጎብጥ፡፡ ንሓያሎ ዓመታት እውን ወለዶታት እናኣሳቐየ ይቕጽል፡፡

ብዛዕባ፡ ኣብ ሃገርኪ ኤርትራ ካብ ዝእሰሩ 21 ዓመታት ዝገበሩን ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ሰባት ጽሒፍኪ ነይርኪ፡፡ መባህረሪ’ዩ፡፡ ኣብ መስከረም ጉዳይ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝተኣሰሩ ጋዘጠኛታት መሓዙተይ ናብ ሕጊ ቀሪቡ፡፡ ሓደ ካብኦም  እቲ ወትሩ ሕጉስ ገጣሚ ኣንድረይ ኣለክሳንድሮፍ (Andrej Alexandrow)’ዩ፡ ንሱ ን14፡ ዓርኩ ኢሪና (Irina) ድማ ን9 ዓመታት ክትሕየር ተፈሪዳ፡፡  ድሕሪ’ቲ ኣብ ቤላሩስ ዝተላዕለ ተቓውሞ ህዝቢ፡ ኣንድረይን ኢሪናን ገንዘብ ንግዳያት ናይ’ቲ ስርዓት ኣኪቦም ነይሮም። ነፍሰ-ወከፍ ሰብ ድማ ዝከኣሎ ሂቡ፡፡ ገለ ካብ’ቲ ገንዘብ ንኮሎክዮ እሱራት ተወፍዩ፡ ገሊኡ ከኣ ንምሽፋን ክፍሊት ጠበቓታትን ካሎት ኣገደስቲ ወጻኢታትን። ሓገዝ መሓዙተይ ግን ገበን ተቖጺሩ፡፡ ዝተቐርበሎም ክሲ ድማ ጥሩፍነትን ክሕደት ሃገርን’ዩ። እታ ኣንቶኒና ኮቫሊዮቫ (Antonina Kowaljowa) ዝስማ መሓዛይ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ሓደ ኣንጻር ናይ ሓሶት ምርጫ ዝተካየድ ሰለማዊ ሰልፊ ስለ ዝተሳተፈት፡ ንሓደ ዓመት ክትእሰር ተፈሪዳ። ጓል 63 እያ። እዚ ዕድመ ሒዝካ ናብ  ቤት-ማእሰርቲ ምእታው ቀሊል ኣይኮነ። ሕስብ እሞ ኣብሊዮ፡ ዝተዋሃባ ብይን ምስ ሰማዕኩ በኽየን ስሒቐን’የ። እዚ ድማ ሓንቲ ዓመት እምበር ክልተ ወይ ሰለስተ ከምቶም ተመሳሳሊ ‘‘ገበን’’ ዝፈጸሙ ሰባት ስለ ዘይተወሃባ’ዩ።

እምበኣር ትሕዝቶታት ደብዳቤታትና፡ መከራን ዘሕዝን ፍጻመታትን ዝነግሩ እዮም። ናይ ገዛእ ርእስና ጥራይ ከይኮኑልና ከኣ ናይ ካሎት ሰባት እውን ይርከቦም።  ታሪኽ ሃገርኪ ምስ ገለጽክለይ፡ ን1998  ዝተወለደ ወደይ ዘኪረ። ምሉእ ህይወቱ ኣብ ትሕቲ ሉቸንኮ (Lukaschenko) ዝበሃል ፕረዚደንት ኣሕሊፉዎ። ድሮ ድማ ወዲ 22 ዓመት ምስ መለአ ካብታ ብዙሕ ዝናፍቓ ዓዱ ክወጽእ ተገዲዱ። ብዛዕባ እቶም ብሰሃራን ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ አእትዮም፡ ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ የሕዋትኪ ዝያዳ ክፈልጥ ምደለኹ። ሎሚ ከመይ ኣለዉ፧ ኣበይ ከ ይቅመጡ፧ ናብራ ክሰማምዖም ክኢሉ ዶ፧ መን ከ ሓጊዙዎም፧

ኣብ ኤርትራ ኢንተርነት ስለ ዘየለ ንቤተ-ሰብኪ ብቪዲዮ ክትረኽቢዮም ከምኡ’ውን ብተለፎን ንነዊሕ ከተዕልሊዮም ዘይምኽኣልኪ ምሕሳብ ኣጸጊሙኒ፡፡ ኣነ ዳርጋ መዓልታዊ’የ ንቤተ-ሰብይ ዝረኽቦም። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ብቪደዮ። ከምኡ ኣቢለ ድማ ሓሓሊፈ ንዓይነይ ጓና ዘይኮነ ገዛ፡ ሳሎን፡ ስእሊ መንደቕ ይርኢ። ንድሙይ’ውን ከምኡ ገይረ ይሪኣ’ሞ ክደርዛ ብዘይምኽኣለይ ይሓዝን። ኣብ ኤርትራ ንገለ ጥቕሚ እምበር፡ ንምሕዝነት ኢልካ እንስሳ ከም ዘይትውንን ኢልክኒ ነይርኪ። ትፈልጢ፡ ኣብ ሃገርሰባት ናይ ቤላሩስ’ውን ከምኡ ዙውቱር’ዩ። ኣብኡ ኣኽላባት ገዛ ይሕልዉ፡ ድማሙ ድማ ኣናጹ የጥፈኣሎም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ቤላሩስ፡ ማለት ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ዝኸውን፡ ኣብ ከተማታት’ዩ ዝቕመጥ።

 

‘‘ስመይ ንኸተድምጺ ክንደይ ወሲዱልኪ’’ እትብል ሕቶኺ ሕጂ ክምልሰልኪ’የ።

ምናልባት ክልተ ፈተነ ወሲዱለይ ይኸውን 😊። ስምኪ ወላ ስም ሃገርክን ስም ቋንቋ ኣደኽን – ትግርኛ፡ ከበድቲ ኣይኮናን፡፡ ኵለን እዚአን ቃላት ንእዝነይ ከም ካብ ሓደ ደስ ዝብል ጽንጽዋይ ዝተወስዳ እየን ዝስመዓኣ፡፡ ንኣስትሪድ ሊንድግረንን (Astrid Lindgren) ን‘‘The Brothers Lionheart’’ እትብል መጽሓፋ ኣዘኪሮምኒ፡፡  ስመይ ኣብ ሃገርና ልምድቲ ኣይኰነትን። ሳቢና ስም ኣደ ኣቦይ’ዩ፡፡ ዓባየይ ፖላንዳዊት’ያ ነይራ። ኣብ ጥንታዊ ኣረማይስጢ ሳቢና፡ ‘‘ጥበበኛ፡ እታ ገለ’ኳ ዘይትደሊ’’ ዝብል ትርጉም’ዩ ዘለዎ። (እተን ናትኩም ሳቢናታት ከምኡ አየን ዝኾና።) ኣብ ቱርኪ ‘‘ሓያል፡ ጽንዕቲ’’ ዝብል ትርጉም ከም ዘለዎ ኣብ ኢንተርነት ኣንቢበ ግን ናይ ብሓቂ ትርጉማ ኣይፈልጦን’የ፡፡ ምናልባት ኣነ ከምኡ’የ፡፡ ሓጻርን ቀጣንን ግን ከኣ ከምኡ 😊፡፡

ኣብዚ ሕጂ እዋን ወላ ሓደ ናብ ዓድኺ ክትምለሲ ዝምነየልኪ ሰብ ከም ዘየለ ጽሒፍክለይ ነይርኪ። ናትና ኩነታት እውን ከምኡ’ዩ። ኵሎም ኣዝማድና ይናፍቑና፡ ግና ኣብ ውሕስነት ብምህላውና ሕጉሳት እዮም። ምኽንያቱ ኣብ ቤላሩስ ሰባት ክሳብ እዛ ሎሚ ዕለት ይእሰሩ ኣለዉ። እቲ ስርዓት ነቲ ሰባት ኣብ ነሓሰ 2020 ዝፈጸምዎ ‘‘ገበን’’ – ብሰለማዊ ሰልፊ ነቲ ናይ ሓሶት ምርጫ ምቁዋም – ክርስዖ ኣይክእልን’ዩ። ደድሕሪ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ሉካቸንኮ፡ ‘‘ንዅሉ ሰብ ክንረክብን ክንቀጽዕን ኢና’’ ኢሉ ነይሩ። እነሀ ድማ ካብ ዝረኽቡን ዝኣስሩን ክልተ ዓመት ገይሩ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ እዮም ናብ ጐደናታት ዝወሓዙ።

ሃገረይ ምስ ሩስያ ዘለዋ ርክብ ብኸመይ ከም ዝጸልዋ ሓቲትክኒ ነይርኪ።  ሃገረይ ከም ኤርትራ ናጽነታ ንምርካብ ክትቃለስ ኣይነበራን። ሰብዓ ዓመት ኣካል ናይ ሕብረት ሶቭየት’ያ ነይራ። ሕብረት ሶቭየት ብ1991 ምስተበታተነት ብሰላማዊ መንገዲ ልኡላውነትና ረኺብና። ሉካቸንኮ ግና 1994 ናብ ስልጣን ደይቡ። ልክዕ ከም ፑቲን፡ ሉካቸንኮ’ውን ናይ ሰይጣን ገጽ ኣለዎ። ክልተኦም እከይ እዮም ዘንጸባረቑ። ካብቲ ግዜ ኣትሒዙ፡ ናጽነትን ልኡላውነት ቤላሩስን ህዝባን ኣብ ሓደጋ ወዲቖም። ሕልሚ ፑቲን ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ዳግም ምህናጽ ሕብረት ሶቭየትን ገዛኢኣ ምዃንን’ዩ። ፑቲን ሕልሙ ንኸተግብር ድማ ሉካቸንኮ የድልዮ እዩ። ሉካቸንኮ ድማ ብምስምስ ናይ ልኡላውነት ኣቢሉ ንሃገርና ናብ ሜዳ ሰራዊት ፑቲን ቀይሩዎ’ሎ።

ቀንዲ ጭርሖኡ ድማ: ‘‘ምዕራባውያን ኣብ ጕዳያትና ጣልቃ ክኣትዉ መሰል የብሎምን፡ ካልእ ዝሓስብ ሰብ እንተ’ሎ ድማ፡ ናይ ወጻኢ ልኡኽን ጥሩፋውን’ዩ።’’ ሉካቸንኮ ወትሩ ኣብ ሩስያ ምስ ተደገፈ’ዩ። ብዘይ ናይ ሩስያ ደገፍ፡ ካብ ፍርሒ ዝኣክል’ውን ምናልባት እዚ ንህዝቡ ዝገብሮ ዘሎ፡  ከተግብሮ ኣይምኸኣለን፡፡ ሎሚ ቤላሩስ የማናይ ኢድ ፑቲናዊ ጭኰና ትጽዋዕ ኣላ። ነዓይ ግን ቤላሩስ ጅሆ’ያ ትመስለኒ። ከቢድ ወላ እንተ ኾነ፡ ስቕ እትብል ጅሆ ኣይኮነትን እኳ ደኣ መመሊሳ ተቃውሞኣ እትገልጽ።

ፍቱውቲ ይርጋኣለም ልብኺ ኣብ ዓድኺ ከም ዝገደፍኪያ ጽሒፍክለይ። ኣነ’ውን ከምኡ’የ ዝብል። እንተ ኾነ ግን ንስኺ እምብዛ ካብ ሃገርኪ ርሒቕኪ። ካብ’ቲ ዘለኹዎ ናብ ሃገረይ ናይ ሰላሳ ኪሎሜተር ርሕቀት ጥራይ’ዩ።  ይኹን እምበር ዓቐን ኣብ ልብይ ዝተፈጠረ ሰንፈላል ማዕረ’ዩ ምስ ናትኪ…

ክንራኸብ እሞ ብኣካል ከነዕልል ዕድል ክንገብር ኣመና ይትስፎ። ኢንግሊዘኛ ጽቡቕ ገይረ ኣይመልኽን’የ ግን ከም ንረዳዳእ ርግጸኛ’የ። ቡን’ውን ምሰተና። ኣበላልዓ ብኢሾኽ ዝተሸፈነ ፍረ በለስ ከማን ምመሃርክኒ።

 

ሕቑፍ የብለኪ፡ መልስኺ ይጽበ፡ ብዛዕባ ምርኻብና ድማ እሓስብ፡፡

ሳቢና

Autor*innen

Datenschutzerklärung

WordPress Cookie Hinweis von Real Cookie Banner