Menu
Suche
Weiter Schreiben ist ein Projekt
von WIR MACHEN DAS

> Einfache Sprache
Logo Weiter Schreiben
Menu
Weiter Schreiben Mondial - Briefe > Sabina Brilo & Yirgalem Fisseha Mebrahtu > Eine Art Weltordnung in dieses kleine Territorium meines eigenen Lebens bringen – Brief 1

ገለ ዓይነት ዓለማዊ ስርዓት ናብዛ ንእሽቶ ግዝኣት ናይ ገዛእ ርእሰይ ህይወተይ ምምጻእ - ደብዳቤ 1

 

 

ሰላም ንዓኺ ፍትውቲ ይርጋኣለም!

 

ብልክዕ ሌላ ስለ ዘይብልና እዚ ደብዳበ ከመይ ከጅምሮ ከም ዘለኒ ጠፊኡኒ። ነገር ግን ዜጋታት ሃገረይ በላሩስ (Belarus)፡ ኣስታት 2 ዓመት ገይሮም ኣለዉ፡ ደብዳበ ናብ ዘይፈልጡዎም ሰባት ካብ ዝጽሕፉ። ተቐበልቲ ናይ’ቶም ደብዳበታት ብኣሽሓት ዝቍጽሩ፡ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ፡ ንጹሃት ናይ ፖለቲካ እሱራት እዮም። እቶም ዘይተሓየሩ ናብ’ቶም ዝተሓረዩ፡ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ዓበይትን መንእሰያትን፡ ሸቀልትን ምሁራትን ይጽሕፉ። ብሰንኪ ምምያ (ምናልባት’ውን ብሰንኪ ካልእ ምኽንያት) ገለኦም ዝተሰደዱ ደብዳበታት ናብ ተቐበልቲ ኣይበጽሑን።

 

 

ነሓሰ ናይ 2020 ፡ ኣብ በላሩስ ጃምላዊ ማእሰርቲ ዝተጀመረሉ እዋን’ዩ ነይሩ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ተቓውሞም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣስታት 28 ዓመታት ኣብ ሃገረይ ዝገዝእ ዘሎ ሉካሸንኮ (Lukaschenko)፡ ንኽገልጹ ናብ ጐደናታት ወሓዙ። እቲ ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኣንጻር እቲ ሽዑ ንመበል 17 ግዜ ናይ ሓሶት ምርጫ የካይድ ዝነበረ መራሒ ሃገር፡ ምሉእ ብምሉእ ሰላማዊ’ዩ ነይሩ።

በላሩስያውያን ሰሌዳዊ ምልክታታቶም ንኸርእዩ ኣብ ህዝባውያን መናፈሲ ቦታታት ዝርከቡ መምበራት ቅድሚ ምድያቦም ሳእኖም የውጽኡ ምንባራሮም ነዚ ዓቢ ምስክር’ዩ። ይኹን እምበር፡ ምላሽ መንግስቲ ነቶም ተቓወምቲ ጎነጽ ነበረ። ቀጥቂጦሞም፡ ኣዋሪዶሞም፡ ናብ ጸበብትን ዝተጨቓጨቑ ሸላታት ድማ ደርበይዎሞም።

 

 

እቶም ብ2020 ምስ ሉካሸንኮ ንፕረዚደንትነት ክወዳደሩ ዝደፈሩ ሰባት፡ ን18ን 14ን ዓመት ክእሰሩ ተፈርዶም። ካብቶም ብዙሓት ደገፍቶም፡ ከባቢ 1500 ብፖለቲካዊ ምኽንያት ከም ዝተኣሰሩ ይንገር፡ እቲ ልክዕ ኣሃዝ ግን ኪንዮኡ ምዃዋኑ ይግመት። 31 ጋዜጠኛታት’ውን ተኣሲሮም። ስርሖም ስለ

ዝሰርሑ ብዘሰንብዱ ገበናት ከም ጥሩፍነትን ክሕደትን ድማ ተኸሲሶም። ምስቶም ቪድዮታት ብምቕዳሖም፡ ሰነዳዊ ፍልምታት ብምፍናዎም፡ ጽሑፋት ብምዝርጋሖም፡ ካልኦት ሰባት ድምጾም ንኸስምዑ ብምፍቃዶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ስነ-ጥበባውያን ደረስትን ፍላስፋታት እውን ተኣሲሮም።

 

 

ነዛ ደብዳበ ብዘሕዝኑ ኣርእስትታት ስለ ዝጀመርኩዋ ይቕረታ ግበርለይ። ይኹን እምበር ከምኡ ገይረ ጥራይ’የ፡ ኣነ’ውን ከማኺ ኣብ ሃገረይ ክነብር ከም ዘይክእልን ጠንቂ ናይ’ዚ ከኣ እንታይ ምዃዋኑን ክገልጸልኪ ዝኽእል። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ብ14 ሓምለ 2021፡ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ብዓል

ቤተይ ኣንድረይ (Andrei) ኣብ ቦታ ስራሑ ኮይኑ ደዊሉለይ። “ኣገደስቲ ነገራትን ላፕቶብክን ሒዝኪ ካብ ገዛ ንኽትወጺ 15 ደቒቕ ኣሎኪ!’’ ኣብታ ንግሆ እቲኣ፡ ፍሉያት ሓይልታት ንሓደ ጉጅለ በላሩስያውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩዎ ነበሩ። “ናይ ምጽራይ ውጥን’’ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሽዑ’ዩ ብወግዒ ተጀሚሩ። መራሒ ሃገር፡ “መንግስቲ ነቲ መንሽሮ ዘስዕብ ጥረ ክትቘርጾ ምዃና’’፡ ምስ ገለጸ መላእ ህዝቢ ኣብ ናይ ቋሕሰም ግዜ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ። ካብኡ ኣትሒዙ ምድቋስ ኣየቋረጸን። ዘይመንግስታውያን ትካላት ተዓጽየን (ኣነ ኣባል ማሕበር በላሩስያውያን ጋዜጠኛታትን ኣባል ማሕበር በላሩስያውያን ደረስትን’የ ነይረ፡ ክልቲአን ድማ ብመንግስቲ ተዓጽየን)። ብዙሓት መምህራን ዩኒቨርሲቲ ተሰጕጎም (ገሊኦም እውን ተኣሲሮም)። ሕጋዊ ፍቓድ ብዙሓት ንናይ ፖለቲካ እሱራት ዝጣበቑ ጠበቓታት ተመንዚዑ። ኣብ ልዕለኡ ገሊኦም’ውን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም…። ኣብ ሃገረይ እንታይ የጋጥም ከም ዘሎ ብሓደ ገጽ ክትገልጾ ኣጸጋሚ’ዩ። ንጨኳኒ ስልጣን ሓይሊ ዝህብ ሕጊ ኣልቦነት ነጊሱ’ሎ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ጠንቂ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ቤተይ ዘይምንባረይ ከምዚ ይመስል። በዓል ቤተይን ኣነን ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ቪልኒዩስ (Vilnius) ኣብ ርእሲ ከተማ ናይ ሊቱወይንያ (Lithuania) ንቕመጥ ኣለና። ካብዚ ናብ ርእሲ ከተማ ሃገርና ናይ 180Km ርሕቀት ጥራይ’ኳ እንተ ኾነ ህዝቢ ዘለናዮ ሃገር ደሞክራሲ ካብ ዘስተማቕር ድሮ 30 ዓመት ገይሩ’ሎ። ሓደሓደ እዋን ስምዒታትና ክንገልጽ፡ ብዛዕባ እቲ ዘግጓነፈና ድማ ከነዘንቱ ከለና ኣመና ይኸብደና። ስድራይ ዘሕለፉዎ መዓልታዊ ዘርዕድ ምኵሕኵሕ መዓጾን

እልቢ ዘይብሉ ፈተሻን መርመራን፡ እቲ ኣብ ነጻን ሕጋውን ዓዲ ዝነብር ሰብ፡ ሽሕ ግዜ መስተውዓልን ለባምን ይኹን፡ ነዚ ከመይ ገይሩ ክስእሎ ይኽእል ፧

 

 

ብዛዕባኽን ሃገርክን ኣንቢበ ኣብ ዩትዩብ’ውን ገለ ቪድዮታት ርኢየ። ቃና ናይ’ታ ኤርትራ ትብል ስም ምስ ዝሰምዕ ብጽባቐኣ ይድነቕ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ስም ዝሓዘት ሃገር፡ ንዘልኣለም ዘይኣርጉ ጽቡቓት፡

😊

ዳርጋ ደቂ ሕድርትና ኮይኖም ዝስምዑኻ፡ መንእሰያት ጥራይ እዮም ክነብሩ ዝኽእሉ ድማ

ይብል     ።

 

 

እንተኾነ ግን ኤርትራ ኣብ ጕዳይ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ሕትመትን ኣብ ጎኒ ሰሜን ኮርያ ትርከብ ምዃና’ውን እፈልጥ’የ ። እዚ ንዜጋታት እታ ሃገር እንታይ ማለት ምዃኑ ድማ ኣይጠፍኣንን። ብደገፍ ጉግልማፕስ (Google Maps) ናብ ኤርትራ ገይሸ፡ ናብ ደናድሳን ርእሲ ከተማኣን ድማ በጺሐ። ኣብ ኢንተርነት ሓደ ሩስያዊ ብዛዕባ መገሻኡ ናብ ኣስመራ ዝጸሓፎ ጽሑፍ (Reisebericht) ኣንቢበ። ስእልታት ናይ 2011 ምስ ረኣኹ ንስኺ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ በት ማእሰርቲ ምንባርኪ ተዘኻኺሩኒ… ልክዕ ከማኺ ብዙሓት ደቂ ዓደይ ካብ’ዚ ሕማቕ ዕድል ከምልጡ ኣይከኣሉን። ንዅላትና መን ከድሕነና ከም ዝኽእል ወትሩ የተሓሳስበኒ። እቲ ኣብ ፍትሒ ዘይብሉ ሃገር ፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል ስልጣን ኣብዛ ዓለምና ኣበይ ኮን ይርከብ፧ መልሲ ዘይርከበላ ሕቶ’ያ እዚኣ።

 

 

ኣብዛ ሕጂ እዋን ኣብ ጓና ዝኾነኒ ገዛ ይቕመጥ ኣለኹ። ኵሉ ንብረተይ፡ ማለት መጻሕፍቲ፡ ክዳውንቲ፡ ጫማ፡ ኣልቡማት ስእሊ፡ መዛግብተይ፡ ኣብ ቤተይ ገዲፈዮ መጺአ። ኣብ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ሰባት ኣትዮም ድላዮም ክገብሩዎ ዝኽእሉሉ ቤተይ ገዲፈዮ። ኣብ ሞንጎ እቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ

ንብረተይ ክልተ ሽልሕ ዝበሉ ኣነ “ፈለስቲ’’ ኢለ ዝጽውዖም ኣእማን ነሮምኒ። ናብ ባሕሪ ገይሸ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ዝረኸብኩዎም እዮም። ባዕለይ ሓይልን ፍሉይ ትርጕምን ሂበዮም። ብተኣምራዊ መገዲ ነታ ባዶ ቤተይ ካብ እከይ ክሕልዉዋ ከም ዝኽእሉ ኮይኑ ይስመዓኒ። እንታይ እስከ፡ ንቤተይ

ኣዝየ’የ ዝናፍቓ። ናብኣ ክምለስ ድማ ብዙሕ ይህንጠ። ክኸይድ እንተ ዝኽእል ነይረ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መጽረኹዋ። ሓቂ ይሓይሽ ገዛ ምውግጋን ብዙሕ ይፈቱ ኣይነበርኩን፡ እንተ ሕጂ ግን ኣብታ ዝተባረርኩላ ንእሽቶ ግዝኣት ህይወተይ፡ ንዓይ ዝኸውን ዓይነት ስርዓተ-ዓለም ከምጽእ ምደለኹ።

 

 

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ብዙሓት ፈተውተይን መሳርሕተይን ካብ በላሩስ ክወጽኡ ከለዉ፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ከይወጽኡ ዝወሰኑ ነይሮም። ወለደይ ካብቶም ዝጸንሑ እዮም (እታ ናይ ቀደም ጥበበኛ ድሙና ሕጂ ምስኦም ትነብር ኣላ)። ወለዲ ሰብኣየይ’ውን ናብ ስደት ኣየምረሑን። ብጣዕሚ’የ ዝናፍቖም። ነቲ ብእግርና እንጐዓዘሉ ዝነበርና ፈለግ እናፍቖ። ነታ ኣስቤዛ ንገዝኣላ ዝነበርና ድኳን

እናፍቓ። ነታ ናብቲ  ድኳን እትመርሕ መንገዲ እናፍቓ።  እቶም ወደይ ብንእሽቶኡ ዝጻወተሎም

ዝነበረ፡ እቶም ካራሜላን መጻወቲታትን ዝገዝኣሉ ዝነበኩሎም ቦታታት’ውን እምብዛ ይናፍቖም። ልበይ ከይጉዳእ ግን ብዙሕ ብዛዕባ እዚ ናፍቖት ንከይትሓስብ ንነብሰይ ይግድዳ። ህይወት ክትቅጽል ስለ ዘለዋ።.

 

 

ፍትውቲ ይርጋኣለም፡ ክትምልስለይ ከለኺ፡ እንታይ ከም እትናፍቒ፡ ብዛዕባ እቲ ውሽጥኺ ዝጸምኦ እባ ንገርኒ። እንታይ ከ ይመስለኪ፡ ናብ ዓድኺ ትምለሲ ዶ ትኾኒ፧ ሃገርኪ ትጽበየኪ ዶ’ላ፡ ፈተውቲ፡ ቀረብቲ፡ ኮታ ንዓኺ ዝጽበዩ ሰባት ዶ ሓዚላ ትህሉ፧ ዛንታታት ከም ናትክን ናተይን ኣብዛ ምዕብልቲ ዓለም ከመይ ገይሮም ኩውን ክኾኑ ይኽእሉ ኢልኪ ትሓስቢ ዶ ኸ፧ ብዛዕባኡ’ውን ጽሓፍለይ። መቸም

መንግስቲ ንዜጋታት እታ ዝመሓድራ ዘሎ ሃገር፡ ኣብ ክንዲ ውሕስነትን ምኽባር መሰልን ምሃብ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ከምኡ ክደልዩ ክስደዱ ክትግድዶም ከላ ብፍጹም ምልክት ምዕባለ ክንብሎ ኣይንኽእልን። ከምቲ ንርእዮ ዘለና ድማ ብሰንኪ ጆግራፍ እውን ኣይኰነን። በላሩስ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ፡ ምስ

ፖላንድ፡ ሊትወይንያ፡ ላትቭያ፡ ዩክረይንን ሩስያን ድማ እትዳወብ ሃገር እያ። ምስ ሩስያ ዘለና ዶብ ነቲ ናይ ሃገረይ ፖለቲካ ብብዙሕ መዳያት ይጸልዎ’ዩ። እዚ ግን ንናይ ካልእ ግዜ ዕላል ይኹነልና።

ደብዳበይ ኣብዚኣ ወዲአ መልስኺ ክጽበ’የ።

እሓቑፈኪ!

ሳቢና ብሪሎ

Autor*innen

Datenschutzerklärung

WordPress Cookie Hinweis von Real Cookie Banner