Menu
Suche
Weiter Schreiben ist ein Projekt
von WIR MACHEN DAS

> Einfache Sprache
Logo Weiter Schreiben
Menu

ናብ ሲሃም...

Yirgalem Fisseha Mebrahtu
Weiter Schreiben Deutschland, Yirgalem_Fisseha Mebrahtu, An Ciham, Aliaa Abou Khaddour
© Aliaa Abou Khaddour, illustration (2022)

ይዋእ ዕሸለየ ዋና ጻዕዳ ልቢ
ዓመትኪዶ ኮይኑ ሕማቕ ካብ ትረኽቢ፧
እንታይ ትብሊ’ለኺ እንታይከ ትሓስቢ፧
ንብዓትዶ ትቖርሲ ካብ ዓርቢ ናብ ዓርቢ፧

“ካብ…”ዶ ስኢንክሉ’ዚ መልእኽቲ፧
ካብ መቕረብ ኣይኮነን ካብ ፈተወቲ
ካብ ጋሻኺ ኣይኮነን ካብ በጻሕቲ፡
መሻግርትኺ’የ ናይቲ ዘለኺዮ
ሰላምታይ ይብጻሕኪ ክንዲ ‚ኮሎክዮ’

ደሓንዶ’ለኺኸ ከመይ ትህልዊ
እንታይ ርኢኺ አብኡ ካብ ትኣትዊ፧

አስካሕኪሑኪዶ ናብራ አብቲ ጸልማት
ፍልልይ ዘይብሉ ቋሕታ ምስ ምዕማት
ብተስፋ ጥራሕ’ዩ ዝፍለ ካብ ሙማት!

እስከ በሊ!
እንታይ በዲለዶ ትብሊ፧
ወሪዱኪ እንታይ ክትብድሊ!
“ተረካቢ ’ዓድዮ” ደኣ ኮይኑ!
ክንዲ ትጻወቲ ምስ መዛኑ
ክንዲ ትምሃሪ ምስ መዛኑ
እቲ እከይ ኣውዲቑልኪ ዓይኑ።

ሕነ ውጽዓይ ፍዳ ዘለኽዎ
ኣብ ኣቦኺ’ኳ እንተ ደለኽዎ፡
“ከምኡ’ያ ዓለም”ሲ ነይብለኪ
መስክነይቲ ኣብ ምንታይ ውዒልኪ!

ጓል ኣቦኺ ምዃን’ኳ ይትረፍኪ
ጓል እዝጊ ኢኺ’ሞ ባዕሉ የርህወልኪ፡
ኣንቲ ዕሸል ወልዶ ሸዊት ብርስን
ጅሆ ናይ በዳሊ ምዃንኪ እሕዝን!!

ይርጋኣለም ፍስሃ‚ 2013

– Meine geliebte MutterLesenኣደይ መዓረይ

Datenschutzerklärung

WordPress Cookie Hinweis von Real Cookie Banner