ዓቕሊ ጽበት
![© Obaidah Zorik, Ohne Titel, 25x35 cm, Kohle auf Papier (2021)](https://weiterschreiben.jetzt/wp-content/uploads/2023/05/WS-IV_Text_Yirgalem_Enge_C_Obaidah-Zorik.jpg)
ሸላይ ክንዲ ቁመተይ
ምድራ ክንዲ ዓራተይ፡
ኣየራ ብቑንጣሮ ሙቐታ ከም ጸበል
ውሻጠኣ ገሃነም ማዕጾኣ ኣፍ ገበል፡
ሎምስ መሪሩኒ ክጾራ ኣይከኣልኩን
ሰብ ገዲፉ ወላ ሰይጣን ይኹን
“ንዕናይ” ተዝብለኒ ‘ናበይ’ ኣይምበልኩን።
ሸላይ ክንዲ ቁመተይ
ምድራ ክንዲ ዓራተይ፡
ኣየራ ብቑንጣሮ ሙቐታ ከም ጸበል
ውሻጠኣ ገሃነም ማዕጾኣ ኣፍ ገበል፡
ሎምስ መሪሩኒ ክጾራ ኣይከኣልኩን
ሰብ ገዲፉ ወላ ሰይጣን ይኹን
“ንዕናይ” ተዝብለኒ ‘ናበይ’ ኣይምበልኩን።