Menu
Suche
Weiter Schreiben ist ein Projekt
von WIR MACHEN DAS

> Einfache Sprache
Logo Weiter Schreiben
Menu

ኣደይ መዓረይ

Yirgalem Fisseha Mebrahtu

 

© Somaya Abdelrahman, Image of the series: What we lost (2012)

ኣደይ… ኣደይ መዓረይ…

ህላወኪ በይኑ ንዓለም ምስ መልኣ

ውዕለትኪ ዝሰርሓ ካልኣይቲ ዓለም ኣላ

እንተ ዘይሃሊኺ ትህሉ’ውን ሳልሰይቲ’ላ

ኣደይ፡ ፈጣሪት ብዙሓት ዓለማት

ኣደዋይ፡ ጽሓይ ናይ ክራማት!

 

እቲ እንክንፈላለ፡

እንታይ’የ’ሞ ኢለኪ ነይረ፧

ዝተሓዋወሰ ስምዒት’ንድዩ ነይሩኒ

ጉዕዞይ ከም ዝነውሕ እናተፈለጠኒ

ቅንይ ኢለ ዝረኽበኪ ግን ይመስለኒ

…. ነይሩ።

ኣየናይ ሓቂ ኣየናይ ሓሳብ ምዃኑ

ከይፈለኹ ዝኾንክዎ ህሞት’ዩ ነይሩ።

ምስ መገሻይ…

ተጎስጒዙ ዝነበረ ዘእርግ ምፍልላይ

ክንዲ ግዝፉ ገይረ ንኸይርእዮ

ከምቲ ምስሉ ርእየ ንኸይፈርሖ

ዝገበረኒ ገለ ነገር ነይሩ

እንድዒሉ ግን እንታይ ከም ምዃኑ!

 

እቲ “ከብዲ ውሉድ ቀጥ

ከብዲ ወላዲ ቀጥቀጥ” ትብልዎ ድዩ፧

ንሱ ኣይቅበሎን’የ ሓሶት’ዩ

ብውሕዱ፡ ኣባይን ኣባኽን ኣይሰርሕን’ዩ።

ኩሉ ግዜ ብኣኺ፡ ብዛዕባኺ

ምስ ሓሰብኩ ምስ ተሻቐልኩ

ቀጥቀጥ ምስ በልኩ’የ

ልዕሊዚ እንተኾይኑ

ናትኪ ግን ምንባር ኣይብሎን’የ።

 

 

እወ ሓቂ’ዩ

ስንፍናይ ኣድሚቑ ኣብ ዘርኣየ

ገዚፍ ስሕታን ውዒለ’የ

ወጽዓይ ኣቐዲመ ነብሰይ ፈትየ

ኣብ ማእከል ጸበባ ራሕሪሐኪ ከይደ።

ንስኺ’ንተትኾኒ፡ ኣይምወዓልክዮን

ኣይምሓሰብክዮን ኣይምሓለምክዮን!

 

ኣደይ፡ ፈጣሪት ብዙሓት ዓለማት

ኣደዋይ፡ ጽሓይ ናይ ክራማት

እንተ ኽኢልኪ፡ እዚ ሕጂ ዝብለኪ

ኣይትስምዕዮ ወይ ኣይትገደስሉ ኢኺ

ካባይ ይውጻእ ኣይብጻሕ ግን ኣባኺ!

ኣብ ቃልሲ’የ ዘለኹ ምስዛ ነብሰይ

ዝውጥን ዘፍርስ፡

ዝጋገ ዝእርም ኩሉ ባዕለይ!

ክነግረኪ ግዳ….

እቲ ኩሉ ግዜ ቴለፎን ደዊለ

“ኣጆኺ!” ዝብለኪ፡ ሕስው ኣቢለ’የ

ዕድል ገይረ እንተ ዘይተመሲሉለይ

ዝፈልጦ የብለይ፡ ዝሓዝክዎ’ብለይ።

 

እንተ ሓሰብክዎ….

ቁልዕነትኪ ኣነ ወሲደዮ

ንእስነትኪ’ውን ኣነ ወሲደዮ

ነቲ ዝሰዓበ ድማ ንሕስያ ዘይብሉ

ምስ ኣሕዋተይ ሕንብጢጥ ኢልናሉ፡

ዝነበረኪ ኩሉ

ነጊፍኪ ሂብክና፡ “ንዓይከ፧” ዘይብሉ።

ተስፋ ግን ነይሩኪ

ኣብቲ ዘድለየና… ዝሃብክና

ኣብቲ ዘድልየኪ ክንመልሶ ምዃንና።

እቲ ዝኾነ ግን ከምኡ ኣይኮነን

ስንፍናይ ከዘንቱ’ሉ ትምኒትኪ’ይሰመረን።

 

 

ይኹን ግን ብዛዕባኺ ምሕሳብ

ናብራይ’ዩ፡ ናብራ ዘይምርብራብ

ከምስል እሽፍኖ’ምበር መኣስ እርስዖ

የቋርጾ’የ’ምበር፡ መኣስከ’ውድኦ

ንሱ ግን ድኻመይ መዚኑ

ፍርሀይ’ዩ ዝቕለብ ዕዳይ ናብ ጠፈር ሰቒሉ።

 

ልዕሊ ኩሉ ግና ንስኺ ኣለኽኒ

ከይተጸባጸብኪ ትም ኢልኪ ትኣምኒ።

ነዚኣ ፈሊጠ ደጋጊመ እድውለልኪ

‘ኣጆይ’ ገዲፈ፡ “ኣጆኺ” እብለኪ

ኣይትነግርንን’ምበር፡ ቅጭዶ’ባ’መጸኪ፧

“ጸማም ሓደ ደር…” ኢሎም ዝጅምሩ

ኩሎም ምስላታትዶ ናብ ሓሳብኪ’መጹ

ይፈታትኑኺዶ ናብ እዝነይ ክበጽሑ፧

 

ናትኪ ገድሊ’ሞ መኣስ ይውዳእ

እዚ እንተ’ጽሓኺ በቲ ይትካእ

ኣደይ…. ኣደዋይ ሓላለይ!

እሞ… ተስፋይ ከይጠልመኒ ከንበድብዶ

ከምቲ ዘልመድኩኺ ክቕጽሎ

…ኣይትጸልእለይንዶ

‘ኣብ ትጽቢት ኣሪገ’ ኣይትብልንንዶ፧

 

ከምቲ ትብህግዮ፡ ከምቲ ትብልዮ

ከምቲ ትጽልይዮ፡ ከምቲ ትኣምንዮ

ከይኮነ’ኮ ኣይተርፍን’ዩ

ክንትሓቛቖፍ ኢና ሓደ መዓልቲ

ክሓልፈልና’ዩ፡ ክኸይድ’ዩ’ዚ ወቕቲ

እዚ ዘመነ እንክሔራ ዘመነ ዓዘቕቲ

ዘመነ ፍልሖ፡ ዘመነ ሓርገጽ፡ ዘመነ ዓለቕቲ…።

 

Datenschutzerklärung

WordPress Cookie Hinweis von Real Cookie Banner