Menu
Suche
Weiter Schreiben ist ein Projekt
von WIR MACHEN DAS

> Einfache Sprache
Logo Weiter Schreiben
Menu
Weiter Schreiben Mondial - Briefe > Sabina Brilo & Yirgalem Fisseha Mebrahtu > Selbst kleine Widerstände, seien sie noch so friedlich, fordern einen hohen Preis – Brief 4

ዝኸበርኪን ዝተፈተኽን ሳቢና

Bild der Münchner U-Bahn © Maritta Iseler
„Die Rolltreppen, die Du bestimmt auch mit geschlossenen Augen oder beiläufig betrittst, während Du auf Dein Handy guckst, betrat ich hier zum ersten Mal“, Yirgalem Mebrahtu, Münchner U-Bahn © Maritta Iseler

ሙኒክ 3 ታሕሳስ 2022
ዝኸበርኪን ዝተፈተኽን ሳቢና
ከመይ ቀኒኺ፧ ኣንድሬ ብዓልቤትኪኸ ከመይ ኣሎ፧ ብኽንድኡ ዝቐልጠፈ ግዜ ብኣካል ክንራኸብ ኢና ዝብል ግምት ኣይነበረንን። እሞ ድማ እታ ‘ሓደ መዓልቲ ብኣካል ክንራኸብ’ ተስፋኽን ምንዮትክን እትገልጽ ደብዳቤኺ ኣብ ኢደይ ቅድሚ ምብጽሓ ምርኻብና ዘየገርም ኣይኮነን። ብምርኻብናን ደስ ዝብል ናይ ሓባር ግዜ ስለ ዘሕለፍናን ኣዝዩ ባህ ኢሉኒ።
ከምቲ ዝበልክኒ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ብድሕረይ ኣብ በርሊን ገለ መዓልታት ጸኒሕኩም ኢኹም ናብ ቪልኒዩስ ተመሊስኩም። ጉዕዞ ከመይ ነይሩ፧ ድሕሪ ምምላስኩም‘ውን ኮንፈረንስ ነይርኩም መስለኒ። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ሓደ ዛዕባ ማለት ዓመጽን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምዝራብ ኣመና የሕምም‘ዩ። ዓመጽ ወይ ዓመጽቲ ክንኣሊ ክንድዚ ምኽባዱ‘ውን የቐንዙ‘ዩ። ዛዕባኹም ካብዚ ዝተፈልየ እንተ ነይሩ ወይ ድማ ግምተይ ትኽክል እንተኾይኑ ክትጽሕፍለይ ክጽበየኪ‘የ።
ኣጋጣሚ ኮይኑ ሎሚ መዓልቲ፡ ኣእጋረይ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብዛ ዝነብረላ ዘለኹ ጀርመናዊት ከተማ ሙኒክ ዝረገጻሉ ዕለት‘ዩ። እዚ ካብ ዝኸውን ኣርባዕተ ዓመት ኰይኑ‘ሎ። እቲ ምሸት‘ቲ ንዓይ ሕልሚ ዝጥዕም ጋህዲ‘ዩ ነይሩ። ከምዚ… ሓደ ሰብ እኹል ሰብ ኰይኑ እንተ ዝውለድ ኢልኪ‘ሞ ሕሰቢ። ኣብ 9 ወርሒ ዘይኮንናስ ኣብ 18 ዓመትና ንውለድ እንተ ንኸውን፡ እቶም ቅድሜና ዝተወልዱ ሰባት ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዝሰርሕዎ ተኣምራት ክንግረም ግን ከኣ ሓንቲ ነገር‘ኳ ንምግባር ክንጽገም ከለና ሰኣልዮ። እቲ ሽዑ ዝነበረኒ ስምዒት ከምኡታት‘ዩ ነይሩ። ንኹሉ ነገር ሓዳስን ተገራሚትን‘የ ነይረ። እቲ ውሕስነት ብቐንዱ ኣሎ። ካብ ሃድን ኣምሊጥኪ፡ ካብ ማሕዩር ድሒንኪ… ሸለብ ገለብ ዘይትብልሉ ውሕስነት ክትረኽቢ ከለኺ ዝህሉ ስምዒት፡ ብልክዕ ስለ ዝተመኮርክዮ እንታይ ከም ዝጥዕምን ዝመስልን ትፈልጥዮ ኢኺ። እቲ ኣነ ኣብዚ ምስ መጻእኩ ዝነበረኒ ስምዒት ግን ንሱ ጥራይ ኣይነበረን – ዝተፈልየ‘ዩ።
ሓንሳብ ጥራይ‘የ ቅድሚኡ ነፋሪት ተሰቒለ ዝፈልጥ ነይረ። ብባቡር ክጉዓዝ እታ ካብ ሙኒክ መዕርፎ ነፈርቲ ናብ ከተማ ዘምጽኣትኒ ባቡር ንፈለማየይ ነይሩ። ነቲ ወላ‘ውን ተዓሚትኪ ወይ ኣብ ሞባይልኪ እናጽሓፍኪ (ብዘይ ዝኾነ ፍሉይ ኣቓልቦ) እትኸድዮ፡ ናይ ትሕተ ምድሪ ባቡራት መውረድን መደየብን መሳልል‘ውን ንፈለማየይ‘ዩ ነይሩ። ንኹሉ ከኣ ኣብ ከም ናብ ዕድመ ህጻንነት ምምላስ ኰይነ‘የ ተለማሚደዮ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ግን ኣወስትራልያ፡ ደቡብ ኣመሪካን ኣንታርቲካን ገዲፍኪ ነተን ዝበዝሓ ክፍሊ ዓለማት በጺሐየን ኣለኹ። እዚ ነታ ብስራሕ ካብ ዝተመደበትሉ ቦታ 110 ኪሎ ሜተር ተጓዒዛ ስድራኣ ክትበጽሕ እንተኾይና ግድን መንቀሳቐሲ ፍቓድ ወረቐት ካብ መንግስቲ ክትረክብ ዝነበራ ኤርትራዊት ብርቂ ምዃኑ ኣይርኣየክን!፧
ብዛዕባ‘ቶም ንዓመታት ክሕየሩ ዝተፈርዱ ኣንድረይ ምስ ኣፍቃሪቱ ኢሪና ከምኡ‘ውን ኣንቶኒና መሓዛኺ ሓዘነይ ከይገለጽኩ ክሓልፍ ኣይክእልን። እቲ ኩሎም መለኽቲ፡ ዝጥቀምሉ ሜላታት ተመሳሳሊ ምዃኑ ድማ ኣስተብሂለ። ንኹሉ እቲ ዜጋታት ብቕንዕና፡ ብሰብኣውነትን ሓልዮት ህዝቦምን ዝገብርዎ ነገራት መጥቅዒኦም ንኽውዕል፡ ጥርኑፍነት፡ ኣኽራርነት፡ ክሕደት ሃገር… ዝብል ስምን ጠቐነን‘ዮም ዝህብዎ።
እዚ ንዓና ዘይወረደና ኣደራዕ ዘይወረዶም ገለ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት፡ ‘‘ህዝብኹም ነዚ መራሒ መሪጹዎ እዩ፡ ስለዚ ጉዳይኩም ባዕልኹም ክትፈትሕዎ ኣለኩም…” ዝብል ርእይቶ ከም ዘለዎም፡ እንተኾነ “መለኽቲ ብምርጫ ዘይኮነ ብምትላል’ዮም ኣብ ስልጣን ዝድይቡ” ኢልኪ’ለኺ። እዚ ኣብ በሪኽ ዝወጸ ሓቂ’ዩ። ኣብ ትግርኛ “ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ” ዝብል ኣበሃህላ’ሎ። እቲ ከም መፍትሒ ጸገምኪ ዝወሰድክዮ ስጉምቲ ከቢድ ሳዕቤን ምስ ዘኸትል፡ ነቲ ጸገምክን ንምፍትሑ ዝወሰድክዮ ስጉምቲ ክትመርጺ ዝገበረኪ ረቛሕን ኣብ ቦታኺ ኰይኑ ከይመዘነ፡ ነቲ ዘይመረጽክዮ ካልእ ኣማራጺ ከተቐድሚ ከም ዝነበረኪ ክምዕድ ዝፍትን ሰብ ኣሎ። ንሱ ነታ ካልአይቲ ምርጫ ክመርጽ ዝገበረ ምኽንያት እቲ ናትኪ ስጉምቲ ምዃኑ ግን ኣይሓስቦን’ዩ። እቲ ሽግር ንዕኡ ኣጋጢምዎ እንተ ዝነበር፡ እቲ ንስኺ ዝወሰድክዮ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል ነይሩ’ዩ። ምኽንያቱ ንስኺ ቅድሚ ምፍታንኪ ኣየነይቲ ኣማራጺ ዝያዳ ዋጋ ከም ተኽፍል ክግመት ዝክኣል ኣይምነበረን።
ነቲ ኣብ ሃገራትና ዘሎ ግህሰት፡ ኣብ ሃገራቶም ብዘሎ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ሓሳብ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ዝመዝኑ’ውን ኣለዉ። ንኣብነት ንዓና ኤርትራውያን፡ “ኣብ ቱኒዝያኮ ብኸምዚ’ዩ መንግስቲ ተቐይሩ። ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ሊብያ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን… ህዝባዊ ናዕቢ’ዩ ለውጢ ፈጢሩ። ስለምንታይ ኢኹም ክንዲ ትገጥምዎ ትሃድምሉ፧” ዝብሉና ኣለዉ – ወላ’ውን ኤርትራውያን። ኣነ ግን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ “ሰይጣን” ብልክዕ ካብ ዘይምፍላጡ ዝነቅል ርእይቶ’ዩ – ብሃሊት’የ። ኣብ ኤርትራ፡ መሓዙትክን ጎረባብትኽስ ይትረፍ ነብሲኺ‘ኳ ከም ዘይትኣምኒ ዝገብር ሃዋሁ‘ዩ ዘሎ። ምሳኺ ተመሳሳሊ ሽግር ከም ዘለዎም ትሓስብዮም ሰባት፡ ምሳኺ እናተረግጹ ሰለይትኺ ኮይኖም ክጸንሑ ይኽእሉ’ዮም።
2017 (ውሑዳት ኣዋርሕ ካብ ሃገር ቅድሚ ምውጽአይ) ኣብ ርእሰ ከተማና ካብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሓንቲ ኣብ ዝኾነት፡ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል እስላምያ መንግስቲ ኢዱ ንኸየእቱ ካብ ኮሚተ ወለድን መምህራንን ተማሃሮን ተቓውሞ ስለ ዘጋጠመ፡ ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝብሃሉ ወዲ 93 ዓመት ኣቦ ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት (ወለዲ፡ መምህራንን ተመሃሮን) ተኣሲሮም። ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓጅ ሙሳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለዉ ዓሪፎም። እንታይ ስዒቡ ትፈልጢ፧! ኣብ ቀብሮም ምስታፍ ድማ ካልእ ምኽንያት ንማእሰርቲ ኮይኑ። ኣብቲ እዋን ኣብ ቀብሮም ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ኣስታት 800 ይበጽሕ ምንባሩ ኣብ ናይ ሽዑ ዜናታት ተሰኒዱ‘ሎ። ስለዚ ንኣሽቱ ተቓውሞታት (ምሉእ ብምሉእ ሰለማውያን እናሃለዉ‘ውን) ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፍሉ እቲ ብግብሪ ዝሓልፎ ዘሎ’ዩ ዝፈልጦ።
ኣብታ “መለኽቲ ብምትላል’ምበር ብምርጫ ኣይኮኑን ኣብ ስልጣን ዝመጹ” ትብል ነጥብኺ ክምለስ። ገለ ደቂ ሃገረይ፡ “እዚ ሰብዚ ዓንዚዙና’ምበር ኣየታለለናን። እቲ ዝገብሮ ብግልጺ ይዛረቦ’ዩ” ይብሉ’ዮም። ኣብዚ፡ ክሰማምዕ ዝገብሩኒ ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ነገራት ካብቲ ዝተፈጸምሉ ግዜ ኣመና ምስ ማሕደጉ “ኣሃ“ ንብለሉ ብዙሕ ግዜ ኣጋጢሙና‘ዩ። እንተኾነ፡ ኣብታ “ህዝቢ ብምትላልን ዓይኒ ንዝኸፈተ ከኣ ብዘይ ንሕስያ ብምርጋጽን‘ዩ ዕድሚኡ ዘናውሕ ዘሎ“ ኣብ ዝብል‘የ ዝያዳ ዝሰማማዕ። መለኽቲ፡ ተታሊሎምን ጥቕሞም ብምቕዳምን ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘየሎ ነገር ዝሕበኑ ዜጋታት ምፍራይ‘ውን ይሳኽዓሎም‘ዩ። ዓለም ብዛዕባ‘ቲ ኣብ ውሻጢኦም ዝግበር ዘሎ ነገር ክትፈልጥ ፍጹም ዘይደልዩ‘ውን ኣለዉ። ንዕኡ ክሽፍኑ፡ ‘ነይሩና‘ ዝብልዎ ግና ዘየርከብሉ ዛዕባ እናልዓሉ ክምድሩ ኣይህከ‘ዩን – ኣይስከፉን‘ውን።
ሓደ ካብ ኣንበብቲ ዝቐደሙ ደብዳቤታትና፡ ኣብታ “ከልብን ድሙን ከምዚ ኣብዚ ምስ መጻእኩ ዝተዓዘብክዎ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ዓርክን መሓዛን ኣይኮኑን ዝርኣዩ“ እትብል ነጥበይ ኣልዒሉ፡ “ኣብ ኤርትራ ቅድሚ 400 ዓመታት ጀሚሩ መሰል እንስሳታት ዘኽብር ሕጊ ነይሩ‘ዩ“ ኢሉ ርእይትኡ ኣስፊሩ ኣሎ። እንተኾነ፡ ንእንስሳታት ከም ዓርኪን መሓዛን ምርኣይን ዘይምርኣይን ወይ ምሓዝን ዘይምሓዝን ምስ ባህሊ‘ምበር፡ ምስ ሕጊ ዘተሓሕዝ የብሉን። ኣነ፡ ብዛዕባ‘ታ ኣብዚ እዋን፡ ብምጥሓሰ መሰላት ደቂ ሰባት ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ትስራዕ ዘላ ኤርትራ‘የ ዝዛረብ ዘለኹ።
“ሉካሸንኮ፡ ዓማጺን ውልቀ መላኺን፡ እንተ ዘይከውን፡ ምናልባት ካብ ፍርሒ ወይ ረብሓ ተበጊሱ ነዚ ወሲድዎ ዘሎ ጸግዒ ፑቲን ምዃን ክወስድ ምኽንያት ምነበሮዶ፧” ዝብል ሓሳብ ብልጭ ኢሉኒ። …ኣይመስለንን። ኩሎም እቶም ጸግዒ ናይ ራሻ ዝሓዙ መራሕቲ ውልቀ መልኽትን ንዜጋታቶም ብዘይ ንሕስያ ዝረግጹን’ዮም። ሓደ ካብኦም እቲ ናይ ሃገረይ “መራሒ”’ዩ። ኤርትራ ሃገር ንምግባራ ተጀሚሩ ኣብ ዝነበረ ጎነጻዊ ቃልሲ፡ ኣብ 1960ታት ትምህርቶም ኣቋሪጾም ካብ ዝተጸንበሩ መንእሰያት’ዩ ነይሩ። ኤርትራ ሃገር ምስ ኮነት ግን፡ ንሱ ዓብዩ ንሳ ድማ ንኢሳ – መስለኒ። ጣዕሳ ዘንቀሎም ብዝመስሉ ምኽንያታት ኣብ ረጽሚታት እናሸመመ ከኣ ክንድቲ ሃገር ክትከውን ዝተሓልፈ ገድልን ዝተኸፍለ ህይወትን ኣኽፊሉና። ገና ከኣ ኣብኡ’ለና! ኣብዚ ኲናት ጸግዒ ናይ ራሻ ዝሓዘ ንምንታይ መስለኪ፧ ኣቓልቦ ናይ በዓል ኣመሪካ ዝበላ ሃገራት ምዕራብ ንኽረክብ። እምበር በቲ ሃገር ንምዃን ዝተቓለስናሉ ዕላማ፡ ራሻ ንምኹናን ትቕድመና ሃገር ክትነብር ኣይምተገብአን። ንራሻ ምድጋፍ ምስ ድሌትን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ ኣይከይድን’ዩ – ብኣረኣእያይ።
ንሕለፍ ናብ ካልእና…
ስደት (Exile) ትብል ዝፈትዋ ግጥሚ ናይ Stella Nyanzi ኣላ። ነቲ፡ ኣብታ ብውልቀ መላኺ እትምራሕ ሃገራ ዘሕለፈቶ ኣርዓዲ ህይወትን ጉዕዞ ስደታን‘ያ ተዘንቱ። “ኣብ ኡጋንዳ ኡጓንዳዊት‘የ። ኣብ ኣፍሪቃ ከኣ ኣፍሪቃዊት‘የ። ኣብዛ ዓለም ድማ ጓልዛ ዓለም‘የ። ስለዚ ስደተኛ ኣይኮንኩን። ስደተኛ ኣይትበሉኒ ብስመይ ጸውዑኒ!” ዝብል ትሕዝቶ ድማ‘ለዋ። ካብ ገዛእ ሃገርኪ 30 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቕኪ ምህላውኪ ክስእሎ ፈቲነ። ቃዛንዝኡ ክመዝኖ‘ውን ደልየ። ከቢድ ጥምየት፡ መግቢ ዝብሃል ኣብ ዘይብሉ ቦታዶ ወይስ ኣብ ዘይተርክብዮ ዝተሰቕለ፡ እናርኣኽዮ ግን ክትበልዕዮ ዘይትኽእሊ መግቢ ኣብ ዘለዎ ቦታ… ይኸብድ ይኸውን፧ (ኩሉ ጥምየት‘ዩ። እናርኣኽዮ ክትበልዕዮ ዘይምኽኣል ከኣ ካልኣይ መቕጻዕቲ‘ዩ…) ከምዚታት ከም ዝሓስብ ገይሩኒ።
ነሓሰ 2006 ሓንቲ ካብተን ዝኸበዳ ወርሓት ናይ ስድራቤተይ‘ያ ነይራ። (ምናልባት‘ውን መጀመርታ ናይቶም ድሕሪኡ ዝሰዓቡ ኣሰቀቕቲ ከበድቲ እዋናት።) እቲ ቀዲሙ ዝተሰደደ ክብሮም ዝስሙ ምንኣስ ምንኣሰይ ሓወይ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ናይ ካልኣይ ደረጃ መዛዘሚ ፈተናን ኣብ ዝወሃበሉ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ንልዕሊ ዓመት ድሕሪ ምጽንሑ ናብ ሱዳን ሃዲሙ። ድሕሪኡ ብዘይ ሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ናብ ሊብያ ቀጺሉ። ነሓሰ 2006 ድማ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሩ ኤውሮጳ ንምእታው ኣብ ልብያ ተዳልዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበርና ኣባላት ስድራቤቱ፡ ብዛዕባ ሓደጋኛነት ናይቲ ምስጋር ብዕምቆት ንፈልጦ ኣይነበርናን። ብኤውሮጳ ኮይኑ ገንዘብ ክሰደሉ ዝኽእል ናይ ቀረባ ቤተ ሰብ ስለ ዘይነበረና ግን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣቲና ነይርና። ንመዓልታዊ ምዕባለታት ጉዕዞኡ ብዝምልከት ምሳይ‘ዩ ዝራኸብ ነይሩ። ንመርከብ ዘድልዮ ዝነበረ ገንዘብ (እዝክሮ‘የ 1500 ኤሮ) ከም ዝበጽሖ ምስ ተገብረ “ኣብዚ ውሑድ መዓልታት ክንብገስ ስለ ዝኾንና እንተ ዘይደዊለልኪ ኣይትሻቐሊ“ ኢሉኒ።
ድሕሪ ገለ መዓልታት፡ ሓደ ንግሆ ናብ ስራሕ እናኸድኩ፡ ኣብታ ኣውቶቡስ ሬድዮ ተወሊዓ ነይራ። ዜና ይስማዕ….
“120 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ገማግም ሊብያ ናብ ጥልያን ትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒላ። 70 ካብቶም ተጓዓዝቲ ክሞቱ ከለዉ፡ 10 ድሒኖም 40 ገና ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን…” ምናልባት ቃል ብቓሉ ከይከውን ይኽእል‘ዩ። ትሕዝቶኡ ግን ንሱ’ዩ። ርእሰይ ዘይሩኒ። ሰልሃዉ ኢሉኒ። ቀስ ኢለ ኣብታ ዝነበርክዋ ኩርምይ ኢለ። እቲ ዜና፡ ኣብ መንጎ እቶም ተጓዓዝቲ፡ ዜጋታት ኤርትራ ምንባሮምን ዘይምንባሮምን ይጠቅስ ነይሩዶ ኣይነበረን ሕጂ ኣይዝክሮን። ኣነ ግና ሓወይ ኣብ መንጎኦም ምንባሩ ርግጸኛ ነይረ። ካብቶም 10 ዝድሓኑ ክኸውን ዝነበሮ ዕድል ባዕለይ ባዶ ገይረዮ። ኣብ ጥልያን ኮይና ካብ ሰባት ገንዘብ ተለቂሓ ኣብ ምስዳድ ንዝሓገትና ወይዘሮ ምሕረት ወዳ ኣብ ኣስመራ ነይሩ። መልእኽቲ በዚ መስመር እዚ‘ዩ ክመጸና ዝኽእል ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ክድውለሉ ደልየ። ኣብ ኣምሓርኛ፡ “ኣጥቢቑ ዝሓትት ሞት ኣዲኡ ይርዳእ” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። ንዕኡ‘የ ዝደግሞ ነይረ። ኣብ ቦታ ስርሐይ ክበጽሕ ከለኹ‘ውን ከይተረፈ ገና ኣብቲ ባዕለይ ዝፈጠርክዎ ግምት‘የ ጥሒለ ነይረ። ናይቲ ክድውለሉ ዝደለኹ ሰብ ቁጽሪ ካብ ተለፎነይ ፈትሸ ክድውለሉ ምኽኣል ስኢነ። ኣእዳወይ ፈጥፈጥ ኢለን….
ሕጂ ኣብ እንግሊዝ ዘላ፡ ኣብ ሬድዮ ባና መሳርሕተይ ዝነበረት ጋዜጠኛ ሰናይት ሃብቱ ከኣ‘ያ ንኹሉ ዓሚማትለይ። ዳዊት ካብ ቦታ ስርሑ ጥብ ኢሉ መጺኡና። እቲ ዝሰማዕክዎ ነጊረዮ። ኣዲኡ ደዊላትሉ እንተ ኾይና‘ውን ሓቲተዮ። ኣይደወለትን ኢሉኒ። ግምተይ ጌጋ ምዃኑ ከእምኑኒ ተጋዲሎም። ግና ኣይኣመንኩን። ኣብቲ እዋን ንመርዓ ትሸባሸብ ንዝነበረት መሓዛይ ኣዝመራ ገብረስላሴ፡ ኣብ መንጎ እተን ሰለስተ መሓዙት ናይ ዕለተ መርዓኣ ከይህሉ ስለ ዝኽእል መተካእታይ ክትሕዝ ነጊረያ። ….ምጽባይ መርድእ….
ድሕሪ ገለ መዓልታት ካብ ጥልያን ተደዊሉኒ። ሓወይ ብሰላም ኣትዩ። ኡፍፍፍ! ብካልእ መርከብ‘ዩ ተጓዒዙ። እንሀልኪ እዚ ሓወይ‘ዚ ዓንዲ ገዛና‘ዩ። እቶም ክልተ ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ድሕሪ ተደጋጋሚ ፈተነን ማእሰርትን ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምህዳሞም ብተመሳሳሊ ጉዕዞ ክሓልፉ ከለዉ እቲ ጾር ኣብ ዝባኑ ነይሩ። ንነብሲ ወከፎም ከባቢ 5 ሽሕ ኤሮ ክኸፍል ነይርዎ። ሓደገኝነት እቲ ጉዕዞ፡ ካብቲ ኣቐዲመ ዘዘንተኹልኪ ግዜ ኣዚዩ ስለ ዝተዓጻጸፈ ግን ገንዘቦም ከፊሎም ህይወቶም‘ውን ዝኸፈሉ ብዙሓት‘ዮም። እዚ ንኣሕዋተይ ዝተኸፍለሎምን ንኽሰግሩ ዝሓለፍዎ ሽግርን ምስቲ ካብ ኣሰጋገርቲ ናብ ኣሰጋገርቲ እናተሸጡ ክንደይ ስቓይ ድሕሪ ምርኣዮም 20፡ 30፡ 40…ሽሕ ዶላር ከፊሎም ህይወቶም ከውጽኡ ዝኸኣሉ ኣዝዮም ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደኣንስትዮን ኤርትራውያን ክወዳደር ከሎ ዝሓሸ ክፍሊት ተባሂሉ‘ዩ ዝጥቀስ። እምብኣር፡ እዞም ኣሕዋተይ ሓደ ኣብ ሆላንድ እቶም ክልተ ከኣ ኣብ እንግሊዝ ይነብሩ ኣለዉ። ድሮ‘ኳ ብዘይካ እቲ ሕንሳስ ልደ ገዛና ዝኾነ ተመስገን፡ እቶም ካልኦትስ ኣሞይ ዝብሉኒ ቆልዑ ወሊዶሙለይ ኣለዉ።
እቲ ዛንታ ዘይጥዑም ጉዕዞ ህይወት ዝበዝሖ ደብዳበይ፡ ነቲ ምቁር ፍሩታ ዝኾነ በለስ ብዝገልጹ ሓሳባት ክዛዝሞ። በለስ ኣሿኽ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ውሽጡ‘ውን ደቀቕቲ ፍረታት ስለ ዘለዎ፡ ምስ ፍሪኡ ከኣ ስለ ዝብላዕ፡ ንጋሻስ ክብድ ይብል ይኸውን‘ዩ። ብብዝሒ እንተ በሊዕክዮ‘ውን ‘ደገ‘ ኣብ ምውጻእ ሽግር ይፈጥር‘ዩ። በለስ፡ ብዙሕ ዋጋ እናኽፈለ ዝፍቶ ፍሩታ‘ዩ። ኣብ ግዜ ክራማት ከኣ ሓደ ካብቶም ንወግዒ ቡን ዝዕጅቡ ሽሻያት‘ዩ። ሓደ መዓልቲ ቡኑን በለሱን… ከነራኽቦ ኢና።

ምስ ምውቕ ናፍቖት
ይርጋኣለም

Voriger Brief:

Nur dreißig Kilometer entfernt - Brief 3

Sabina Brilo an Yirgalem Fisseha Mebrahtu: Ich habe mich sehr über Deine Antwort gefreut. Beim Lesen konnte ich die Tränen nicht zurückhalten. Es gibt viel Gemeinsames in unseren Schicksalen, doch das Wichtigste ist, dass Dein wie mein Schicksal in so direkter und grausamer Abhängigkeit zu dem Ort und der Zeit stehen, in denen wir geboren wurden und leben....... LesenText im Original

Autor*innen

Datenschutzerklärung

WordPress Cookie Hinweis von Real Cookie Banner